
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ተስዓቱ ቅዱሳን
ኣብ ግዝኣት መንግሥቲ ሮም ዝርከባ ዝተፈላለያ ሃገራት ተኣኻኺቦም፡ ኣብ ኃሙሻይ ክፍለ ዘመን ናብ ምድረ ኣግዓዚ ዝመጽኡ ተስዓቱ ቅዱሳን እዮም።
ዝርዝር ኣስማቶም ናይዞም ተስዓቱ ቅዱሳን ከምዚ ዚስዕብ እዩ።
ዝርዝር ኣስማቶም ናይዞም ተስዓቱ ቅዱሳን ከምዚ ዚስዕብ እዩ።
1. ኣቡነ ኣሌፍ ዓዱ ቂሳርያ፡
2. ኣቡነ ኣረጋዊ ዓዱ ሮም፡
3. ኣቡነ ጰንጠሌዎን ዓዱ ሮማ፡
4. ኣቡነ ገሪማ ዓዱ ሮም፡
5. ኣቡነ ጽሕማ ዓዱ ኣንጾኪያ፡
6. ኣቡነ ኣፍጼ ዓዱ እስያ፡
7. ኣቡነ ሊቃኖስ ዓዱ ቁስጥንጥንያ፡
8. ኣቡነ ጉባ ዓዱ ኪልቅያ፡
9. ኣቡነ ይምኣታ ዓዱ ቆስያ
2. ኣቡነ ኣረጋዊ ዓዱ ሮም፡
3. ኣቡነ ጰንጠሌዎን ዓዱ ሮማ፡
4. ኣቡነ ገሪማ ዓዱ ሮም፡
5. ኣቡነ ጽሕማ ዓዱ ኣንጾኪያ፡
6. ኣቡነ ኣፍጼ ዓዱ እስያ፡
7. ኣቡነ ሊቃኖስ ዓዱ ቁስጥንጥንያ፡
8. ኣቡነ ጉባ ዓዱ ኪልቅያ፡
9. ኣቡነ ይምኣታ ዓዱ ቆስያ
እዞም ቅዱሳን ደቂ በበይነን ሃገራት፡ ግና ኸኣ ደቂ ሓንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብምዃኖም ብምኽንያት ሃይማኖት ተሰዲዶም ናብ ምድረ ኣግዓዚ መጽኡ። ነቲ ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን (451 ዓ.ም.) ዝተኸስተ ሓድሽ ‘ክልኤ ባህርይ’ ዝብል ትምህርቲ ብምቅዋም ሓደ ባህርይ ኢሎም ስለዝመሃሩ፡ ብንጉሥ ሮም ጽኑዕ መከራ በጽሖም። በዚ ኸኣ ተሰዲዶም ብሰሜናዊ መኣዝን ኤርትራ ኣቢሎም ናብ ምድረ ሃይማኖት ምድረ ኣግዓዚ መጽኡ። ንጉሥን ሕዝብን ምድረ ኣግዓዚ ብሰላም ተቐቢሉ ከዕርፉ ፈቐደሎም። እዞም ተስዓቱ ቅዱሳን ብሓንሳእ ድኅሪ ምጽናሕ፡ ስብከተ ወንጌል ንምስፋሕን ሥርዓተ ምንኵስና ንምዝርጋሕን መንፈስ ቅዱስ ነናብ ዝመርሖም ተፈላለዩ። ኣቡነ ኣሌፍ ናብ አሕሳአ ባሕዘ፡ ኣቡነ ኣረጋዊ ናብ ደብረ ዳሞ፡ ኣቡነ ጰንጠሌዎን ናብ ደብረ ጾማዕት፡ ኣቡነ ገሪማ ናብ ገዳም መደራ፡ ኣቡነ ጽሕማ ናብ ጻድያ፡ ኣቡነ ኣፍጼ ናብ ያሓ፡ ኣቡነ ሊቃኖስ ናብ ደብረ ቆናጽል፡ ኣቡነ ጉባ ናብ ካብ መደራ ክልተ ምዕራፍ ርኅቕ ኢሉ፡ ኣቡነ ይምኣታ ናብ ገርዓታ ኸዱ። ኣብ ዘዝኣተውዎ ቦታ ኸኣ ቓለ እግዚአብሔር ምሂሮም ብዙኅ ፍሬ ሃይማኖት ኣፍረዩ። ገዳማት እናገደሙ ሥርዓተ ምንኵስና ሠሪዖም ብዙኃት ደቀ መዛሙርት ገበሩ። ቅዱሳት መጻሕፍት እናተርጐሙ ስብከተ ወንጌል ኣብ ምስፋሕን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምጽናዕን ዓቢይ ሓዋርያዊ ተልእኾ ፈጸሙ።
መርኣያ ቅድስናኦም’ውን ኣብ ዘዝረገጽዎ ቦታ ሕሙማን ይፍውሱ፡ ምዉታት የተንሥኡ፡ . . . ዓበይቲ ተኣምራት ይገብሩ ነበሩ። ብኣገልግሎቶምን ጸሎቶምን ሕዝበ ክርስቲያን ምድረ ኣግዓዚ፦ ካብ ይብሰተ ኃጢኣት ናብ ልምላሜ ንስሓ፡ ካብ ልምላሜ ንስሓ ናብ ጽጌ ትሩፋት፡ ካብ ጽጌ ትሩፋት ናብ ፍሬ ክብር ክበጽሑ ክኢሎም። ሰብ ሠናይ ውዕለት ምድረ ኣግዓዚት ኮይኖም ብበረኸቶም ተባረኸት። ረድኤቶም ስለዘይተፈልያ ምድረ ሃይማኖት ኮይና ትነብር ኣላ፡ ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ’ውን ኪትነብር እያ።
ጸሎቶምን በረኸቶምን ንዘለዓለም ምሳና ይንበር!
ስብሐት ለእግዚአብሔር አምላከ ቅዱሳን!
No comments:
Post a Comment